ወዲ ሓመድ ናብ ሓመዱ 
ዲኹም ትብሉ ደቂ ሓመድ 
ትግራይ ሓመድ ተማሲላ ወፅያ ካብ ሓመድ
አነ ይገድድ ናዓኹም አሚነ ኢደይ ዝሰድድ:

ብድላዩ ይተርጎም 
ዕሽነት... - AI Avatar by aleMayo YOweHaNes | Percify AI Avatar Generator

ወዲ ሓመድ ናብ ሓመዱ ዲኹም ትብሉ ደቂ ሓመድ ትግራይ ሓመድ ተማሲላ ወፅያ ካብ ሓመድ አነ ይገድድ ናዓኹም አሚነ ኢደይ ዝሰድድ: ብድላዩ ይተርጎም ዕሽነት ቀዝሒ እናወለደ አብ ቅድሚ ሕልናይ እኹደደ ተዋጋኢ ቅድሚ ባይታ ከሰምዱ ንምስክር ወፅየ አለኹ ካዚ ሓመድ በርቂ ሓቂ ከዘንቱ ዝአጎሉ ከይህዉ ሞንጎሞንጎ ዝተረፉ ጅግና ሓየት ንሓመዱ አናፀደፈ ነብሶም ፈትዮም ዝተረፉ ዝዋ ክሕደት ዝጨለጡ ምስ ወዛልመዛል ዝተጓሕፉ ደማ ሰሚዐ ሰብ ዘይሰምዖ ብመኹባዕቲ ተዘፍዚፉ ብምራን ሓቂ ተጨቢጡ ዝተጓሕፈ ምስ ጉልበቱ ዓዕ ዓዕ ኢሎም ክጭልጡ ። ብዙሕ አሎ ህዝቢ ዘይበልዖ አብ ማአዲ ቀሪቦም ጮማ ከም ዝስርዖ ፍፁም ንፁል ኩቱር ንዓደይ እናበለ ክዝምር ድማ ድማ ናዓይ አሕዘንዚኑ አፍ አውፂኡ ክኹንኖ ጎበዝ ዓንተር ከምዚ ኸማይ ሕሉፍ ኩሉ ዘወደኖ ናብ አፍ እፋፌት ሞት እናተነቑተ ንእስነቱ ዝወደኖ ትርከ ምርኪ ወዛል መዛል ዓሌት ዓዲ ገልዳ መልዲ ብርኪ ዓዲ እናተ ዃዕተ አወሺጡ ዝደፈኖ ፈለቕ ኢሉ ካብ መቓብር ክድቀኖ ይንድር እምበር መቓብር የፈንቅል ንሃልዋት ዝተኸፍለ ገበል ቃለቃል ኢሉ እትቃፀል ከመይ ዘይጉሂ የባህርር እምበር አርኪቡ ዝጨና ሓው ድዩ ዘይብሉ ካበይ እዩ ስሩ እረ ካበይ እዩ ቦቒሉ ክብል ይመፅእ እምበር መልአኽቲ አኸተሉ እዞም ሰብ እምበር ንጥፋአቱ ሓሊሞም ንጠፍአቱ ዝምሕሉ ይትረፍ ንምስሉ ንፅላለቱ ዘይመስሉ ታቱላ ክነፍሑ ዊዒሎም ዝሓድሩ መሬትና ፋፅያ ስሩዕ ድምፂ በታኺ ማዕተብ ሱር ልቢ ፈላፂ ፍቕሪ ዘይብሉስ ፍቕሪ ነብሱ ዝኻሓደ ብልሒ ለባም ናብ ጉድጓድ ምስ ከደ ዕዳ እናሃለዎ ዕድኡ ዘግደደ ብደም ሓዉ ክሰብ ነገደ: እዋእ ክንድዚ ዶ አታ ረሳዒ እዩ ዝሰብ ሓወልቲ ሓቂ ብደም ዝተነፅፈ ደም ንፁህ ከም ማይ ምስ ሃፈፈ ሰንሰለት ክበትኽ ሃረፈ ንምስሊ ደው ኢሉ ሓወልቲ ጨው ኮይኑ ተረፈ የብሉን ድዩ ታሪኽ ወይ ዘዘንቱ ብዘይ ዐፅሚ ዶ በዘይ ደም ተወሊዱ ዝብሎ ዶ ሲኢኑ ካሓስ ተኻሓሓስ ንትግራይ ዝተኸፈለ ትንፋስ ፅላል ኩን ተዋሓስ ፅግዕተኛ አይትኹን ተጎዝጊዝካ ንፋስ ትገራይ መፂአ እያ ብደቃ በሪቓ ንጎድጓድ ኒዒቓ ንበርቃ አሕሚቓ እንታይ እዩ ዓዲ እንታይ እዩ ብሄር ሕጂ ዶ ይጨንቃ ተበራበር ዘለኻ ጭቃ አብ ትንግርቲ ዛዓዲ አብ ሰብ ሰንቃ ብፅፍራ ትትስእ ወዲቓ ሰብ ኮንካ ታዓጠቕ አዕጥቃ እዛ ዓዲ ተትደናገር ተትብል ደምርበር ክም ንፋስ ሕዳር ከም ዝብተን ሓሰር ምጠፍአት እንዶ ብዘይ አሰር ሰረት ኮይኑ ምፅማም ተፀጊሙ ህዝባ ድርብ ፀገም እሞ ናይመን ትስማዕ እሞ: ናይወላዲ ምረቓ ዶስ ናትካ መርገም ትግራይ እዛ ናትና ሕድሪ አይትሽበርን ብወረ ተባራሪ መን እዩ ዘፍርስ መንእ አዩ ዘዕሪ መን እዩ ፀዊዓቶ አቤት ኢሉ ዘብሪ መን እዩ ከምዚ ገበል ነብሪ ተወርዋሪ አብ ዉዑይ አብ ዝሑል አለኹ ባሃሊ መን እዩ ወርቃ መን እዩ ጨርቃ መን እዩ ዘስሕቓ መን እዩ ዘሕርቓ መን እዩ ምእንቲ ዓዱ ተጠቢሱ ዝኾነላ ምግቢ መን እዩ አብ ሕማማ ኢዱ ዝድርቢ መን እዩ ሓብሓቢ አፀቢቓ ትፈልጥ እያ ብደም እንድያ መፅያ ዓይና እናራኣየት ደቃ እናተመትሩ ኹቡር አዕፅምቶም እናተሰብሩ ደም አብሲሶም ዓዲ እናፈሩ አብ መሬት ዓዶም ጉድጓድ እናሰፈሩ ይትረፍ ልዕሊ መሬት አብትሕቲ መሬት እኳ እናተአሳሰሩ ያአኽላ ሕጅስ ከንደሻዕ ክትሓፍር ሰላም ንፍጠር ንይቅርታ ንውፈር ብህልኽ ቂምታ አይታአሰር ✍️ብተጋዳለይ አለማዮ ዮዉሃንስ

54

Views

0

Likes

0

Comments

0

Shares

#people
Oct 23, 2025
photo

Comments (0)